Home > Uncategorized > ድሕረ-ባይታ ኤርትራን ህዝባን

ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንጐረባብታ ደሚርካ፡ ናብ ናይ ሃገር ቅርጺ ንኽትሕዝ ግዜ ዝወሰደላ ኤርትራ፡ ንዘመናት ኣብ ከርሳ ክነብርዋ ዝጸንሑን፤ ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ እሞ መዋድቖኦም ዘንበሩላን፤ ድሒሮም ብሰንኪ ባህርያውንን ሰብ ዝፈጠሮምን ሓደጋታትን ስግኣታትን ኣብ ስደትን ከርተትን ካብ ዝርከቡን፤  ህዝብታት ዝቘመት ሃገር ኢያ።

እዛ ኣብ ምውጻእ 19 ክፍለ-ዘመን ዘመናዊ ጅኦግራፍያዊ ቅርጺ ክትሕዝ ዝጀመረት ኤርትራ፡ ዶባታ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታትን ናይ ዓለም ሓያላንን ምስ ከባብያዊ ገዛእትን ብዝተገብሩ ውዕላትን፡ ንዓለምለኻዊ ሕግን ስምምዓትን ደሚርካ፡ ኢያ ናይ መወዳእታን ናይ ሕጂን መልክዓ ሒዛ ዘላ።

እዞም ድሕሪ እቲ ኣብ በርሊን ብኤውሮጳውያን ዝተፈጸመ ‘ምግምማዕ ኣፍሪቃ’፡ ኤርትራውያን ዝተሰምዩ ህዝቢ ምስ መሬቶምን ሓድሕዶምን ዝጸንሖምን ዘለዎምን ፍቕሪ ምስኩር ኢዩ። ነናይ ባዕሎምን ምስ ከባቢኦምን ብሕግን ደግን ክመሓዳደሩ እውን ጸኒሖም ኢዮም። እቲ ኤርትራውነት ዝበሃል መንነት ድማ በብደረጃኡ ኢዩ ክምዕብል ጸኒሑ። እዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒትን ርድኢትን እዚ፡ ኣብ ትሕቲ ጥልያን ሰረቱ ዝሓዘን፤ ምስ ምምጻእ እንግሊዝ፡ ማለት ኣብ ቀራና መንገዲ ምስ ተኣትወ፡ ድማ ዝተርንዐን ኢዩ። ከም ፍሪኡ ድማ፡ እቲ ብምክፍፋልን ንምክፍፋልን ዝተፈርደ ህዝቢ ሰጢሙ ብምልኣት ናብ ኤርትራውነት ተዓቚቡ። ኤርትራውነት ብፍላይ ኣብ ግዜ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ኣብ 1940ታትን 1950ታትን፡ ኢዩ ኣጉላዕሊዑ ተሃኒጹ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ድማ ስጡም ቅርጹ ሒዙ ኣብ ረፈረንዱም 1993 ድማ ምሉእ ብምሉእ ተመስኪሩን ደሚቑን።   

ብተወሳኺ ኣመለኻኽታ ድማ፡ ኤርትራን ኤርትራውያንን ስለስተ መድረኻት ኣለዉዎም። እዞም መድረኻት ድማ ናቶም ንኡሳን መድረኻት ኣለዉዎም። እቲ ቀዳማይ መድረኽ ነቲ ቅድሚ ኤርትራ ከም ሃገር ዝነበሩ ጥንታውያን ነበርቲ እዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ ዘመልክት ኢዩ። እቲ ካልኣይ ወይ ማእከላይ እንብሎ ድማ፡ ነቲ ካብ ምስረታ ሃገረ ኤርትራ 1890 ክሳብ 1993 ዝነበረ ናይ ልኡላውነት ምርግጋጽ ሕቈና ኢዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ እቲ ድሕሪ 28 ሚያዝያ 1993 ዘለናዮ ኢዩ።

ብርግጸኛነት ንኤርትራዊ ንኤርትራ ካብ እቲ ሳልሳይ መድረኽ ናብ እቲ ማእከላይ፡ ካብ እቲ ማእከላይ ናብ እቲ ቀዳማይ ተመሊሱ ክሰጋገር ፍጹም ውሕስነትን ፋይዳን የብሉን። ካብኡ ዘይሓይሽ ኣማራጺ እውን የለን። ብቐንዱ ዓለምለኻዊ ኣመሓድራ ነቲ ተኽእሎ የጽብቦ ኢዩ። ንኣብነት ኤርትራ ካብ እዚ ሳልሳይ መድረኽ ናብ እቲ ቀዳማይ ክትሰጋገር ኣይትኽእልን፤ ምኽንያቱ ኣብ መንጐ እዛ ብሃገራት ዝቘመት ኣፍሪቃ ኴንካ ዘይሃገር ክትከውን ኣይከኣልን ወይ ምህላው ኣይቅጽልን። ኤርትራ ናብ እቲ ማእከላይ መድረኽ ድማ ኣይትሰጋገርን፤ ምኽንያቱ እቲ መድረኽ እቲ ንህዝባ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለና ታሪኽ መግዛእትን ኣደራዕን ስለዝዀነ። ብዘይብኡ ኤርትራ ብፍቶታ ዝተገዝኣቶ ወይ ረድያ ኣካሉ ዝዀነት ሓይሊ ይኹን ሃገር እውን ስለዘየለ ኢዩ። 

እቲ ማእከላይ መድረኽ ነቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝተገብረ  ውሁድ ይኹን ውልቃዊ ቃልስታት፤ ድሕሪኡ እውን ፖለቲካዊ፤ ካብ 1961 ድማ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቃልሲ፤ ኣብ መንጐ 1991 – 1993 ድማ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ቃልስታትን፤ ዝኣመሰሉ ንኡሳት መድረኻት የጠቓልል።  እዞም ንኡሳን መድረኻት ድማ ነናብ ነናቶም ዝንእስዎም መድረኻት ይከፋፈሉ ኢዮም። ንኣብነት፡ ኣብ 1961 – 1991 ዝነበረ ናይ ቃልሲ ግዜ፦ ቀዳማይ ዓሰርተ ናይ ተሓኤ መድረኽ፤ እቲ ካልኣይ ዓሰርተ ሓንፈጽ መድረኻት ተሓኤ፡ ህዝባዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ግንባርን፤ እቲ ሳልሳይ ዓሰርተ ድማ ብህዝባዊ ግንባር ዝተዓብለለ መድረኽ ኢዩ ኔሩ።

ነፍሲ ወከፍ እዞም መድረኻት እዚኣቶም ብኣሉታውን ኣወንታውን ፍጻሜታትን ስጉምታትን ዝቘሙ ኢዮም። ገለ ስጉምታት ውጹኣት ወይ ናይ ኩሉ እዋን ቅኑዓት ወይ ጌጋታት ክዀኑ ይኽእሉ። ገለ እውን ኣብ እቲ ግዜ እቲ ንዝነበሩ ወሰንቲ ዜጋታት ቅኑዕ ኰይኑ ዝተራእዮም፡ እንተዀነ በዚ ናይ ሎሚ ዓይኒ ጌጋ ዝመስሉ ክዀኑ ዝኽእሉ ኢዮም። በዚ ዀይኑ በቲ፡ ኤርትራዊ ዘበለ ንሃገራዊ ታሪኽ ኤርትራ ከም ታሪኽና ብምቕባል፡ ነቲ ዝቕጽል ክፋል ሳልሳይ መድረኽና ከም መምሃርን መወከስን ተጠቒምካ ምስ ናይ ዘመንና ኣተሓሳስባ ኣወሃሂድካ ምምራሽ ኣውራ ኣማራጺኡ ይኸውን።  ኤርትራ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ትርከብ። ቀዳማይ ክፋል ናይ እዚ ሳልሳይ መድረኽ ድማ ህዝባ ንቕድሚት ተርኒዑ ንክኸይድ ዘሐርኖ እምበር ንድሕሪት ዝመልሶ ኣይከውንን። ርግጽ ኢዩ ኤርትራ ንሕጂ ሳልሳይ መድረኻ ከምዝደለየቶ ክትድህስሶ ኣይከኣለትን ኣላ። ሽሕ እኳ ንድሕሪት እንተተመሊሳ፡ ናብ መጀመርያ እቲ ሳልሳይ መድረኽ እምበር ናብ እቲ ጥንታዊ ቀዳማይ መድረኽን ናብ እቲ ንምህላዋ ዝተጻዕረትሉ ወይ ዝተፈተነትሉ ካልኣይ መድረኽን ግዜን ኣይትምለስን።