Home > ብዛዕባና

ንሕና ንኤርትራውነት ማእከልና፡ ቀንድን፡ ናይ እንታይነትን ጉዳይ ዝገበርና ዜጋታት ኢና። ሕቡናት ሃገራውያን ሓርበኛታት ኢና። ነቲ ህዝብናን ንሕናን እንርከቦ ኩነታት ብኹሉንትናና ብዘይምሕላልን ብተወፋይነትን ንምንቃል ድማ ነቒልና ንርከብ። ንሃገርና ናብ ቀጻሊ ሰላም፡ ርግኣት፡ ስኒትን ዕቤትን ክንመርሕን፡ ውልቃውን እኩባውን መሰላት ህዝብና ናብ ዝተኸብረሉ መዋእል ምስግጋርን ጾርና ዝገበርና ኢና። እዚ ድማ ነቶም ናብ እቲ መዋእል እቲ ንኸይንበጽሕን ንኸይንሰጋገርን ዕንቅፋት ዝዀኑና ሰብ-ሰርሖም ዓመጻትን ተጻብኦታትን (ባህርያት ማሕበረሰባዊ ፍልልያትና፡ ዕሙት ሃገራውነት፡ ጸቢብነት፡ ወገናውነት፡ ባህርያዊ ተፈጥሮታት፡ ዘይምምጥጣን ሓት፡ ድኽነት፡ ከባቢያዊን ዓለምለኻዊ ጽልዋታትን ካልኦትን) ንዝመዓራረዩ ብምትዕርራይ፡ ንዝወሃሃዱ ብምውህሃድ፡ ንዝብድሁ ብምብዳህ፡ ንዝውገዱ ብምውጋድን፡ ንዝፍትሑ ብምፍታሕን ንፍጽሞ። ኮታ ብሓርበኝነት ወትሩ ንረብሓ ኤርትራ ቀዳምነት እንሰርዕ ደቂ ህዝቢ ኢና።  

ንሕሉፋት ሰናያትን ጌጋታትን ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን፡ ቃልሳውን ታሪኽና ናብ ነላግበሉ የብልናን። እኳ ደኣ ብትብዓት ከም ታሪኽና ወሲድና፡ ንዝዕቀብ ዓቂብና፡ ንዝምዕብል ኣማዕቢልና፡ ንዝእመን ተኣሚንናን፡ ንዝእረም ኣሪምናን ክንከይድ ዝወሰንና ሰብ ክፉታት-ልቢ ኤርትራውያን ኢና። ንሕና፡ ንህሉው ኤርትራውነትን፡ (ምስ ኩሉ ብድሆታቱ) ብምትርናዕን ምርግጋጽን ደሞክራስያዊ ክብርታትን ምስ ናቱ ክብርታት ብምውህሃድ ምስናይ ሓርነቱ ብዘጽደቖ ሕገ-መንግስቲ ዝኸይድ ህዝቢ ምህናጽ ሃንቀውታና ዝዀነና ኢና።

በዚ ምኽንያት ከኣ ኢዩ፡ ዝቕጽሉ ወለዶታት ከምዝጥዕሞም ጌሮም ዘወሃህድዎ ኣብ ሕግን ነጻነትን ዝተመርኰሰ ሰባውን ቁጠባውን ብልጽግና ዘረጋግጹሉ መድረኽ ምፍጣር እውን ዘይንድቅሰሉ ዕላማ ኰይኑልና ዘሎ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓሳብ ዝሓዝናን ሰብኣውነት እንኣምንን ዜጋታት ኢና። ንኤርትራ ከድሕናን ከሕውያን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ናብ ጥርዚ ዕቤት ከብጽሓ ዝኽእል እቲ ዝሓሸ ራኢ ኣለና ኢልና ስለ እንኣምን ኢና ድማ ተመስሪትና።

ንሃገርና ሃብታምን ዕንትርትን ንምግባር፡ ርእስና ብስነ-ስርዓት ዝሃነጽናን፡ ንህዝብና ከነገልግል ምእንቲ ዓቕሞና ወትሩ እነማዕብልን ድሉዋትን ጥንቁቓትን ዜጋታት ኢና። ኮታ ንምድርና ካብ ‘መዋእለኣደራዕ’ ናብ ‘መዋእለምልኣት ናብ ‘መዋእለራህዋ’ ንምስግጋር ዝመነንና ኢና። ምኽንያቱ፡ ብኩራት ብልጽግና ድኽነት፡ ብኩራት ዕንትርና ድማ ልምሰት፡ ምዃኑ ስለ ዝተጋህደልናን ዝተሰቈረናን ኢዩ። ካብ እዚ ‘መዋእለኣደራዕ’ ዘድሕና ከም እዚ ናትና ዝኣመሰለ ርሑቕ ተኰር ራኢን ዓቕምን ሓርበኝነትን ጥራይ ኢዩ ኢልና ንኣምን። ሰልፍና ዘይስከፍ፡ ዘይሓፍርን ዘይጸዓድን ሃገራዊ ኢዩ። ኣብ ጉዕዞ ሃገራውነት ድማ መሪሕ ተራ ዝጻወት ክኸውን ግድን ኢዩ።   

ንሕና ብሃገርን ብሰልፍን ስድራቤት ኤርትራ ዝዀንና ኢና። ከም ኣካል ማሕበረ-ሰብ ዓለም መጠን ድማ፡ ነቲ ህግደፍ ዝደወኖን ከም ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተፈጥረ ግጉይ ኣጣምታ ከነዐሪ ብዕቱብ እንጽዕር ኢና። እዚ፡ ምስሊ ሃገርና ኣብ ዓለም-ለኻዊ መድረኽ ናይ ሰላም፡ ብልጽግናን፡ ምጽውዋርን ክንገብሮ እተወፈና እውን ስለዝዀንና ኢና።    

ምሉእ ሰነድ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ሃገራዊ ሰልፊ Manifesto – ሃገራዊ ሰልፊ