Home > Uncategorized > ካርታን ኣቀማምጣን ሃገርና

ኤርትራ 15° ሰሜን 39° ምብራቕ እትርከብ ቀይሕ-ባሕራዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኢያ። ጠቕላላ ስፍሓታ 117,600 ትርብዒት ኪ.ሜ. ኰይኑ፡ እዚ ነቲ 101,000 ትርብዒት ኪ.ሜ. የብሲን፡ ነቲ 16,600 ኪ.ሜ. ማያዊ ክፋልን ዘካተተ ኢዩ። ንውሓት ምድራዊ ዶባታ 1,840 ኪ.ሜ. ኰይኑ፡ እዚ ድማ ብሸነኽ ኢትዮጵያ 1,033 ኪ.ሜ.፣ ብሱዳን 682 ኪ.ሜ.፡ ብጅቡቲ ከኣ 125 ኪ.ሜ. ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ንውሓት ገማግም ባሕራ ብጠቕላላ 2,234 ኪ.ሜ. ክኸውን እንከሎ፡ እቲ 1,151 ኪ.ሜ. ገማግም እቲ ኣውራ ምድራ እቲ ዝተረፈ 1,083 ኪ.ሜ. ድማ ናይ ደሴታት ኢዩ።